Friday 18 April 2014

ስለ ዘፍቀረ አንድዩ



ስለ ዘፍቀረ አንድዩ፥ ንስቓይና ብስቃዩ፤ 
መርገምና ከጽውር፤ ሞት ኣዳም ከጥዕም ሓርዩ፤
 ካብ ቃሉ እንሰምዓ አታ አተሕየሎ ፍቅሪ፤  
ዘይጽውር አጽዊራቶ ከረይና ብግብር ፤ 

በጥፍአቲ ነብሶም ዘጎሃየት ልቡ
ኣይሃድጎምን ክብል ብእሳት ከለብለቡ
ካብ ሰማይ መስ ወረደ በፈቅሪ ተሳሂቡ
 በውንገል ከሰሰዎ ወንጌሉ ከይስዕቡ

ቅዱስ ከነሱ ነጹህ ዝባሕሪኡ
ምራቅ አና ተተፉኦ  ዘይትጸየፈ ኮርዩ
ትሕት አንተበለ ከድሕነና ፈትዩ
ነገር ፍቅሪ ኮይኑዎ አምበር ኣምላክናስ ሓያልዩ

ስለ ዘፍቀረን ድዩ፥ ንስቓይና ብስቃዩ፤ 
መርገምና ከጽውር፤ ሞት ኣዳም ከጥዕም ሓርዩ፤
 ካብ ቃሉ እንሰምዓ አታ አተሕየሎ ፍቅሪ፤  
ዘይጽውር አጽዊራቶ ከረይና ብግብር ፤ 

ኣምላክ ልግሲ አንከሎ ዘዝንብ ካብ ሰማይ
ነዛ ጎረአሩ  ፍጽም ከሊኦሞ ማይ
በደሞኡ አንዳጥለሎም መጺጽ አንተ አስተዩዎ
ቃል ሀድገት ሃቲኣት አምበር አንታይ ሕማክ ወጺዎ
ኣብ ማአከል በርባሮስ ብምርኮ ኣዳም ኣንክድብል
ደያብሎስ ከችድር መን ከማይ አንከበ
አቲ ዘይሞውት ጎይታ ሃይሊ ጸልመት ቀቲሉ
በሞቱ ሰንሰለት ሓቲያትና በቲኩልና ኣብ መስቀሉ

ስለ ዘፍቀረን ድዩ፥ ንስቓይና ብስቃዩ፤ 
መርገምና ከጽውር፤ ሞት ኣዳም ከጥዕም ሓርዩ፤
 ካብ ቃሉ እንሰምዓ አታ አተሕየሎ ፍቅሪ፤  
ዘይጽውር አጽዊራቶ ከረይና ብግብር ፤ 

ቃንዛ ሰቅያቱ ከም ሴፍ ኮይኑ አንዳወገኣ
ማዕረ አቲ ትሓዝኖ ልባ ብሓጎስ ከትመልኣ
ውዑይ ንብዐት ማርያም ዝውረረ አንዳ አንደዳ
ሰለ ፊቅሪዩ ኔሩ ከም ደም ፍቁር ወዳ

No comments:

Post a Comment