Saturday 1 October 2011

ክብርኺ ተገሊጹ

ክብርኺ ተገሊጹ፡ ፍጥረት ኩሎም ብኣኺ ይድነቑ፡
ብርሃን ዓለም ካባኺ ምብራቑ፡
ድንግል ብወድኺ፡ ንዘለዓለም ትነብሪ ኸቢርኪ።


ወለዶታት ኩሎም ብፅዕቲ ይብሉኺ፡
ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ክመጹኺ፡
ንጉሥ ዝበሃጎ ንፍሉይ ውህበትኪ፡
ጸጋ መሊኡኪ ፈጣሪ ወሊድኪ (2)
ኣብ ኣርያም ኣብ ሰማይ፡ ትነብሪ ብኽብሪ፡
ጸሎትና ተዕርጊ ናብ ልዑል ፈጣሪ።

ክብርኺ ተገሊጹ....

ዘለዓለማዊ ኢዩ ናትኪ ድንግልና፡
ፍጹም ዘይቅይሮ ክቡር ልደት ናይ ጐይታና፡
ሕፍቲ ውን ዘይብልኪ ንጽህቲ ኣዴና፡
መመክሒት ኣዳም ተስፋ ናይ ኩልና (2)
ናይ ዘመናት ሓጢኣት ክድምስስ ጐይታና፡
ካባኺ ተወልደ ብዕጹው ድንግልና።

ክብርኺ ተገሊጹ....

ተኣምርኪ ክንበብ ኣብ ቅዱስ ሰፈሩ፡
ዝሰምዕዎ ኩሎም ንውዕለትኪ የስተንክሩ፡
ውዳሴኺ ዓብዩ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ፡
ንዓኺ ይውድሱ ፍጡራን ብኽብሪ (2)
ድንግል ድንግል ይብሉ ክብርኺ ይነግሩ፡
ንንጹሕ ውህበትኪ ብሕብረት ዘመሩ።

ክብርኺ ተገሊጹ....

ትእምርተ ሠናያት ድንግል ማርያም፡
ንጽሕተ ንጹሓን ኣደ ጐይታ መድሕን ዓለም፡
ቃል ኪዳን ዘሎኪ ጠበቓ ንዓና፡
ኣማላዲት ኣደ ኣምላኽ ዝሃበና (2)
ኣምላኽ ዘኽበረኪ መን'ዩ ዘሕስረኪ፡
ናይ ብዙሓት ኣደ ድንግል ንስኺ ኢኺ።

ክብርኺ ተገሊጹ፡ ፍጥረት ኩሎም ብኣኺ ይድነቑ፡
ብርሃን ዓለም ካባኺ ምብራቑ፡
ድንግል ብወድኺ፡ ንዘለዓለም ትነብሪ ኸቢርኪ።